ጸሎት ንኤርትራ

ኦ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ሰማይን ምድርን፡ ምእንቲ ኤርትራ ጸሎትና ስማዕ።


  • ኣብታ ምድሪ ናይ ዕርቅን ሰላምን መንፈስካ ከተውርድ
  • ንመራሕቲ ጥበብን ምስትውዓልን ክልትግስ፡ ከምኡ ድማ ናይ ልቦም የዒንቲ ክትከፍት
  • ንኩሎም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ፍትሓት ክትገብረሎም
  • ነቶም ምእንቲ ወንጌል ዝተሓየሩ ብመንፈስ ቅዱስካ ከተሐይሎም
  • ወንጌልካ ዘብርሃሉ ኣፍደገ ክትከፍት
  • ኣብ ስደትን መከራን ንዘለዉ ምጽንናዕካ ክትልግሰሎም
  • ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ፡ ፍርሃትካ ዝዓሰሎም መራሕቲ ቤትክርስትያንን ሃገርን ከተተንስእ
ብስም እተፍቅሮ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ንልምነካ ኣሎና። ኣሜን!!

Comments