Posts

ጸሎት ንኤርትራ

ኦ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ሰማይን ምድርን፡ ምእንቲ ኤርትራ ጸሎትና ስማዕ። ኣብታ ምድሪ ናይ ዕርቅን ሰላምን መንፈስካ ከተውርድ ንመራሕቲ ጥበብን ምስትውዓልን ክልትግስ፡ ከምኡ ድማ ናይ ልቦም የዒንቲ ክትከፍት ንኩሎም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ፍትሓት ክትገብረሎም ነቶም ምእንቲ ወንጌል ዝተሓየሩ ብመንፈስ ቅዱስካ ከተሐይሎም ወንጌልካ ዘብርሃሉ ኣፍደገ ክትከፍት ኣብ ስደትን መከራን ንዘለዉ ምጽንናዕካ ክትልግሰሎም ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ፡ ፍርሃትካ ዝዓሰሎም መራሕቲ ቤትክርስትያንን ሃገርን ከተተንስእ ብስም እተፍቅሮ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ንልምነካ ኣሎና። ኣሜን!!